Hoppa över navigering, gå direkt till innehållet.
  • Fortsätt stanna hemma

    Vi påminner om att bara resa om du verkligen måste. Läs mer »

  • {{error}}

Kundkorg

{{error}}

{{error}} Köp biljett

  • {{product.Name}} {{product.PriceIncVat}} kr Ta bort produkt

Totalt {{shopping_cart.data.TotalSum}} SEK

Till kassan

መገሻታት ኣጕድል – ንምልባዕ’ቲ ለበዳ ኣጕድል

Information på tigrinska.

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ናይ ”ኮሮና-ቫይረስ” ምልባዕ ለበዳ፥ ኣብ ሕብረተሰብና ይኸይድ’ዩ ዘሎ። ስለዚ ኵሉ ሰብ ድማ፡ ነዚ ለበዳ’ዚ ንምቝጻይ ክሕግዝ ይግብኦ’ዩ።

”ስቶክሆልም ትራፊክ” (SL) ነቲ ”ብቤትስልጣን ጥዕና-ህዝቢ” Folkhälsomyndigheten) ዝተዋህበ መምርሒ ብምስዓብ፥ ነዞም ዚኽተሉ ነገራት ንኽተትግብሮም ይምሕጸን፡-

  • ክትገይሽ እንተ ዄንካ፡ ጥዑይን ምልክት-ሕማም ዘይብልካን ጥራይ ምስ ትኸውን’ዩ።
  • ኣዝዩ-ኣዝዩ ኣድላዪ ጉዳይ ዘሎዎ እንተ ዀይኑ ጥራይ መገሻ ፈጽም።
  • ካብቲ ብዙሓት ካልኦት ሰባት ዝገሹሉ ሰዓታት ካብ ምግያሽ ተቖጠብ።
  • ካብቶም ካልኦት ገያሾን ሰራሕተኛታትን ዘሎካ ምርሕሓቕ ብግቡእ ሓልዎ።
  • ናብታ ኣውቶቡስ ክትእእቱ ከሎኻ፥ በቲ ብወገን ድሕሪት ዘሎ ማዕጾ እቶ።
  • ኣብታ ኣውቶቡስ፡ ባቡር ወይ መርከብ፥ ኣብ ጥቓ ሰብ ለጊብካ ኮፍ ኣይትበል።
  • እታ ዝመጸት ኣውቶቡስ ምልእቲ እንተ ዀይና፥ ክሳብ’ታ ብድሕሪኣ ዘላ ትመጽእ ተጸበ።
  • ዕድሜኻ ልዕሊ 70 ወይ ካብቶም ናይ ሓደጋ-ጕጅለ ምስ ትኸውን፥ ፈጺምካ መገሻ ካብ ምፍጻም ተቖጠብ።

እቲ ኣብ መንጎና ዘሎ ምርሕሓቕ ብግቡእ ክንሕሉ ስለ ዚግብኣና፥ እቲ ኣብ ኣውቶቡሳትን ባቡራትን ዘሎ ቦታታት ቀልጢፉ’ዩ ዚመልእ። ”ስቶክሆልም-ትራፊክ”፡ ብዝተኻእለ መጠን በቲ ዘሎዎ ናይ ተሽከከርትን ሰራሕተኛታትን ዓቕሚ፥ ብዙሓት ህዝባዊ-መጐዓዝያ’ዩ ኣዋፊሩ ዘሎ። ይኹን እምበር፡ ጽቕጥቅጥ ናይ ተጐዓዝቲ ንምንካይ ናትካ ሓገዝ የድልየና’ዩ። 

እንተ ደኣ ተሓጋጊዝና፡ ኣብ መንጎ’ቶም ግድን ክገሹ ዘሎዎም ሰባትን፥ ሰራሕተኛታት ”ህዝባዊ-መጐዓዚን” ከጋጥም ዚኽእል ሓደጋ ለበዳ ክንቆጽዮ ንኽእል ኢና። ስለዚ እምበኣር፡ ግድን ክትጐዓዝ ዘድልየካ ምስ ዚኸውን ጥራይ፡ ”ብስቶክሆልም-ትራፊክ” (SL) ተመላለስ።

ዝበለጸ ሓበሬታ ብዛዕባ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና-ቫይረስን ”ኮቪድ-19ን” ኣብ Folkhälsomyndigheten ከምኡ ውን 1177 ኣንብብ።